myeritrea472x212
Search
Close this search box.

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ አሜን።

ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም፡

#ዘወረደ

ቀጥታዊ ትርጕሙ ‘ዝወረደ’ ማለት እዩ። እዚ ድማ ምእንቲ ድኅነተ ዓለም፡ ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ካብ ናይ ባህርይ ልዕልናኡ ወሪዱ፡ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ከምኡ’ውን ምስቃሉን ሙማቱን ዘመልክት እዩ። ‘ወአልቦ ዘዓርገ ውስተ ሰማይ ዘእንበለ ዘወረደ እም ሰማይ ወልደ ዕጓለ እመ ሕያው ዘውእቱ ይነብር ውስተ ሰማይ / ብዘይካ’ቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይ’ውን ዘሎ ወልደ ዕጓለ እመ ሕያው ክርስቶስ ሓደ እኳ ናብ ሰማይ ዝዓረገ የልቦን’ (ዮሓ. 3፡13)

ከምዝብል ካብዚ ጥቕሲ’ዚ ዝተወስደ ነዚ ግብረ ምድኃን’ዚ ዝዝከረሉ ቀዳማይ ሰንበት ናይ ዓቢይ ጾም ‘ዘወረደ’ ይበሃል። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ዝሠርዖ ናይ ዓቢይ ጾም ማኅትው ዝዝመር ጾመ ድጓ፡ ክጅምር ከሎ፦ ‘ዘወረደ እምላዕሉ አይሁድ ሰቀሉ’/ ትርጕሙ ‘ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ልዑል ኣምላኽ፡ ደቂ ሰባት ኣይሁድ ሰቐልዎ’ ይብል።

እቲ ስፉሕ፡ ምሉእን ረቂቅን ባህርየ መለኮት ምስ ውሱን፡ ጸቢብን ግዙፍን ባህርየ ሰብ ከምዝተዋሓደን ሓደ ኣካል ከምዝኾነን ንምግላጽ ካብ ባህርየ ልዕልናኡ ብትሕትና ወረደ ተባህለ። 99 ነገደ መላእክት ኃዲጉ ነቲ ዝወደቀን ዝተዋረደን ሰብ ንከኽብር ወረደ። ወሪዱ ፍጹም ሰብ ስለዝኾነ፦

• ነቲ ብኃጢኣቱ ካብ ገነት ወፂኡ ናብ ሲኦል ዝወረደ ኣዳም ምእንቲ ክመልስ፡ በደል ዘይብሉ ክርስቶስ ካብ ብገነት ትምሰል እስራኤል ተሰዲዱ ናብ ብሲኦል ትምሰል ግብጺ ወረደ።

• ዲይብሎስ ኣብታ ካብ ምድሪ ተፈልያ ትርከብ ገነት ንኣዳም ብብልዒ እንተኣውደቖ፡ ጐይታ ድማ ኣብታ ካብ ከተማ ርሒቓ ትርከብ ገዳመ ቆሮንቶስ ወሪዱ፡ ንዲያብሎስ ብጾም ሰዓሮ። ሰብ ንኣርእስተ ኃጣውእ ዝስዕረሉ ጸጋ ሃቦ።

• ኣዳም ካብ ጸጋኡ እንተዓረቐ፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ ልዑል ኣምላኽ ዕራቁ ተወሊዱን ተሰቒሉን ኣድኃኖ።

• ኣብታ ዓጽሚ ኣዳም ዝዓረፈሉ ጐልጐታ፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ ልዑል ኣምላኽ በቲ ዝተዋሓዶ ሥጋ ሞይቱ ኣብኡ ተቐቢሩ ሙስና መቓብር ኣጥፈኣልና።

• . . .

፨ እዚ ኵሉ ዝተረኽበ ልዑል ኣምላኽ ካብ ሰማይ ስለዝወረደ እዩ። እዚ ምሥጢር ዓቢይ እዩ’ሞ ነቲ ዝወረደሉ ዕላማ ብዝግባእ ንርድኦ’ዶ፧ በዚ ምኽንያት’ዩ ቀዳማይ ሰንበት ዓቢይ ጾም ‘ዘወረደ’ ዝተባህለ! ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና!

Share now