ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ንትፈሳሕ ወንትሐሠይ ባቲ መዝ117፤(118፤24)
እታ እግዚአብሄር ዝገበራ ምዓልቲ ዓወት እዚኣ እያ ብእኣ ንተሓጎስ ባህ ይበለናን በለ ንህና ውን በዚ ሎሚ ዕለት ተስፋናን ትምኒትናን ዝነበረ ከምቲ ጎይታ ዝበሎ ማቴ16፤18 ኣብ ልዕሊ እዚ ከውሒ እዚ ድማ ቤተክርስትያነይ ክሃንጻ እየ። ከም ዝበሎ ብናይ ክርስቶስ አምላክነት ምስክርነት ዝተመስረተት ቤት ፤ቅ.ዳዊት አቀዲሙ ዝተነበየላ መዕረፊ እቲ ልዑል ክትከውን ዝተሓርየት ቤቱ ንዘልዓለም ድማ መዕረፊቱ ክትከው ዝሓረያ ቤተ እግዚአብሄር “ኩሉ ብእኡን ካብኡን ስለ ዝኮነ ንዘልዓለም መዕረፊቱ ትከውን ቤት ሃበና አስመረልናን ። ስለቲ ኪንገር ዘይከኣል ውህበቱ ድማ ንኣምላኽ ስብሐት ይኩኖ 2ቆሮ9፤15
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ ዝነበረ ናይ ቅዳሴ ኣገልግሎት ብስእሊ እንሆ ።እንኳዕ ሓጎሰናን ሓጎሰኩምን ክቡራት ኣቦታትና ካህናት ወዲያቆናት ምስ ኩሉ ምእመናን ደቂ ቅ.ገብርኤል ቫንኮቨር