myeritrea472x212
Search
Close this search box.

*በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን!!!*

_ንሱ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን (ማቴዎስ 28፥6)_

ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰላሙን ሬዲኤቱን ምስኩላትና ይኹን ዝኸበርኩም ምእመናን ኩሉኹም ሕዝበ ክርስትያን፥

እንሆ ብሓይሊ እግዚኣብሔር ሰሙነ ሕማማት ብዓወት ወዲእና ናብታ ምድሓንና ዝተፈጸመላ ዓባይ ዕለት ትንሳኤ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም የብጽሓና እናበልና ከምቲ ጎይታና ንዓና ንምድሓን ኢሉ ካብ ሰማይ ሰማያት ወሪዱ ኣብ መስቀል ብምዉዓል ፍቅሩ ዝገለጸልና፡ ንሕና ድማ ናቱ ኣሰር ተኸቲልና ብዓልና ብዓቢ መንፈሳዊ ሂወት ከነሕልፎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ቅዱስ ፍቃዱ ይኹነልና ። ክብርን ምስጋናን ንኣምላኽና ይኹን።

ብምቕጻል፡ ናይ ሎሚ በዓለ ትንሳኤ ቅዳሴን ኣገልግሎትና ዝጅምረሉ ቀዳም ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ።

ንፍጽመሉ ቦታ/ቤተክርስትያን ኣብ’ዚ ዝስዕብ እዩ።

*St. John The Divine, Kennington 92 Vassall Road. London SW96JA

*ተወሳኺ ሓቤሬታ* ፥

1) ኩላትና ከምእንፈልጦ ኣገልግሎት ቅዱስ ቁርባን ንሕጻናት የለን።

2)ጸጥታን ጽሬትን ኣብ ውሽጥን ከባቢን እቲ ቦታ/ ቤተክርስትያን ኽንሕሉን ከነኽብርን ይግባእ፡ እዚ ምስቶም ቤተክርስትያን ንዘሎና ምትሕጋግዝን ክብረትና ንምዕቃብ ኣገዳሲ እዩ።

3) ኣገልግሎት ምስ ወዳእና ኩላትና ዝኾነ ናይ ውልቅናን ቤተክርስትያን ንብረት ኣብቲ ቦታ ኪንገድፍ ከምዘይብልና (ሓደራ ኩላትና ንተሓጋገዝ)።

4) ነቶም ጎረባብቲ ድምጺ ወይ ረብሻ ከይንገብር ንጠንቀቕ( ኣብ ኣፍደገ ገዝኦም ጠጠው ኣይንበል፡ ምስ ናይ ጸጥታ ኣባላትና ንተሓባበር)

ኲልና ክንሳተፍ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትዕድመና ኣላ።

ዝኾነ ነዚ ቦታ/ኣድራሻ ዝምልከት ሕቶ እንተኣሎና ወይ ተወሳኺ ሓቤሬታ ምስ እንደሊ፡ ናብ ኣብዚ ተጠቒሶም ዘሎዉ ኣባላት ብምድዋል ክንሓትት ንኽእል፥

1) ገብረሂወት(ቤ/ት ሰንበት) – 07961610033

2) ኣቤል (ሰበካ ጉባኤ) -07908106199

እግዚኣብሔር ርሑስን ቡሩኽን በዓለ ትንሣኤን ይግበረልና፡ ኣሜን🙏

read more
Share now